ትግርኛ – tǝgrǝñña

[shariff]


** ምንዋሕ መምርሒ ኮረና ኣብ ቱሪንገንን ምፍካስ መምርሒ ኮረና ብምክንያት ፋሲካ ኣብ ኣርንስታድት (Arnstadt) (01.04.2020) ማስክ ምግባር ግድን ኢዩ። **

  • ስለዚ እዚ ዝስዕብ ካብ 01ክሳብ 24 ሚያዝያ ኢዩ።

ብምክንያት በዓል ፋሲካ ምፉካስ መምርሒ ኮረና።

  • ካብ ዕለት 02 ክሳብ 05 ሚያዝያ ክልተ ስድራቤታት (2 ገዛ )ክራከቡ ይፍቀድ።
  • ተበዝሑ ድማ 05 ሰባት
  • ቆልዑ ትሕቲ 14 ዓመት ኣይቁጸሩን ኢዮም።
  • ኣብ ካልእ መዓልታትን ክሳብ ሕጅን ድማ ሓደ ኣባል ስድራቤት ካብን ናብን ሓንቲ ስድራቤት ጥራይ ክከይድ ይፍቀድ።

መምርሒ ምብጻሕ ናብ መእለይ ትካላት

  • ኣብ 100 ካብ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ብኮረና ዝተለክፍሉ ቦታን ግዜን ፡በጻሕቲ መዓልታዊ አና ተቀያየሩ ይበጽሑ።
  • ኣብ 200 ካብ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ብኮረና ዘተለክፍሉ ቦታን ግዜን ድማ ፡ሓደ ሰብ ኣብ ሰሙን ይበጽሕ።
  • ብዛዕባ ኣብ ሓደ መንበሪ ዝነብሩ ምቅርራብ ዘለዎም ጉጅለ ምውጻእን ምእታውን ፍቁድ ኢዩ።
  • ኣብ ተወሳኪ ክንክን ኣካላት ዝነጥፋ ትካላት መልከፍቲ ኣብ ሰሙን ትሕቲ 200 ሰባት ካብ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ምስ ዝከውን ኢዩ።

ልዑል ምትንካፍ ኣካላት ዘለዎም ስርሓት ፡ከምዞም ዝስዕቡ

  • እንዳ ስነ ጽባቀ ጸጉሪ ርእሲ
  • ጽባቀ ጽፍሪ -እንዳ ታቱ፡እንዳ ምስቓር
  • እንዳ ማሳጅ፡ኣብዘን ትካላት ማስክ ዘይኮንና ንገብር ነጻ ውጽኢት መርመራ ኮረና ጥራይ ኢና ነቅርብ።

እንዳ እንስሳታትን እንዳ ኣትክልትን ድማ ኣብ ዕለት 10 ሚያዝያ ክክፈቱ ኢዮም። ማሕበራዊ ምርሕሓቅ ክንገብር ድማ ንግደድ።

ኣብ ኣርንስታድት( Arnstadt)ማስክ ክንገብር ዝግበኣና ቦታታት

  • ኣብ ናይ ጎደና ዕዳጋ ስራሕ ምስ ዝህሉ። ኣብ ዚ ዝስዕብ ቦታ ማለት መዋፈሪ ኣውተስን* Neue Gasse* und ናይ ስራሕ ቦታ Arnstadter Tafel* ጥዕናናን ጥዕና ሕብረተ ሰብናን ንሓሉ!!!
Sources:

 
**ምፉካን መምርሒ ኮረና ኣብ ቱሪንገን (15.03.2021) **
 
ካብ 14 መጋቢት ክሳብ 31 መጋቢት

ክራከቡ ዘፍቀድ

  • ሓደ ኣባል ስድራ ናብ ካልእ ኣባል ስድራ።
  • ቆልዑ ካብ 13 ዓመት ኣብ ግምት ኣይኣትውን።
  • መጻምድቲ ኣለይቲሕሙማት፡ዝተፋትሑ ከም ሓደ ኣባል ስድራ።

ክፉታት ትካላት

  • ቤት ንባብን ኢንተርነት ካፈን
  • ናይ ህንጻ መሸጢ ትካላት ውን ብቆጸራ
  • ኣብያተ መሸጢ መጻሕፍትን መምሃሪ ህጻናትን
  • ናይ ስነ ጽፍሪ ጽባቀ
  • እንዳ ውቃጦ
  • እንዳ ማሳጅ

መገሻ ወይ ዑደት

  • ዝኮነ ሰብ ካብ ኣዝዩ ሓደገኛ ቦታ ናብ ቱሪንገን ክበጽሕ ምስ ዝደሊ 10 መዓልቲ ይውሸብ መርመራ ጌሩ ነጻ ምስ ዝከውን ድማ ድሕሪ 05 መዓልታት ናብ ምብጽሑ ይቅጽል።
  • ክልተ ሰሙን ውሸባ ነቶም ካብ ካልኣይ ዓይነት ኮረና ዘለዎ ቦታ ዝመጹ ሰባት።

Sources:
https://www.mdr.de/thueringen/corona-verordnung-neu-bibliotheken-solarien-100.html
https://thueringen.de/verkuendungen


** እቲ ዕጽዋ ክሳብ 07.03.2021 ተናዊሑ ኣሎ። (16.02.2020) **

  • እንዳ ቀምቃማይ ወይ እንዳ መሻጢት ካብ 01.03.2021 ምስ ልዑል ኣገባብ ጽሬት ይክፈት።
  • ብዛዕባ መውዓሊ ህጻናትን ቤት ትምህርትን ድማ ክፍለ ግዝኣታት ኣብ ዝመጽእ 07 መዓልታት ክውስና ኢየን።ኣብ ቱሪንገን ግን ካብ 22.02.2021 ክክፈታ ኣለወን።
  • እቲ ዕጽዋ ዝናዋሕ ኣብ 07 መዓልታት ካብ 35 መልከፍቲ ምስ ዝበዝሕ ኢዩ።
    • ኣብ 07 መዓልቲ ተበዝሐ ካብ 100000 ተቀማጦ 35 ሰባት ክሓሙ ይክእሉ።
    • ኣብ Ilm-kreis ኣስታት 100000 ተቐማጦ ኣለዉ።
    • ስለዚ ኣብ ilm-kreis ኣብ ውሽጢ 07 መዓልቲ 35 ሰባት ጥራይ ክሓሙ ይክእሉ።

Sources:
https://www.landesregierung-thueringen.de/medien/medieninformationen-zu-covid-19/detailseite/20-2021
https://www.tagesschau.de/inland/innenpolitik/lockdown-beschluesse-103.html


** ሓብሬታ ንተመሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ (06.02.2021) **

  • እዚ መምርሒ ነቶም ብዙሕ ሓገዝ ዝረክቡ ተማሃሮ ዘይኮነስ
  • ንብዝተፈልየ ሓገዝን ምትብባዕን ሓገዝ ዘድልዮም ተማሃሮ ኢዩ።
    • ብዝለዓለን ዘተፈልየን ውሳነ መምህራን ብኣካል ክምህሩ ኢዮም።
    • ምክንያት ድማ ናይ ገዛ ኩነታትን ኩነታት ኣመሃህራን ኣብ ገዛ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብኢንተርነት ይኩን ብጽሑፋት ኣዝዩ ክከውን ስለ ዝክእል።
    • ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናትን ኣዋርሕን ተማሃሮ ዕዮታቶም ብኣለይቶም ጥራይ ዘኮነስ ቤት ትምህርትን ኣለይቶምን ብሓደ ኮይኖም ክሰርሕዎ ይግባእ ነይሩ።
    • ካብ ቤት ትምህርቲ ብምርሓቆም ተበዲሎም ኢዮም።
    • ሓገዝ ዝግበረሎም ድማ ክእለት ቃንቃ ዘይብሎምን ናይ ስደተኛታት ድሕረ ባይታ ዘለዎምን ኢዮም።
  • ስለዚ ካብ ዝሓለፈ 01 የካቲት 2021 ቀጥታዊ ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክወሃብ ይክእል ኡዩ።

Source (EN): Letter on Current Corona Measures from the Thuringian Ministry of Education to the Thuringian schools, 25.01.2021


** ሓዱሽ መምርሕን ሕጋጋትን ኮረና (27.01.2021) **

እዚ ዝጥቀስ መምርሒ ክሳብ 14.02.2021 ይቅጽል።

ብሕክምና ኣፍልጦ ዘለዎም ምሳክ ምጥቃም።

  • ካብ 15 ዓመት ንላዕሊ ድማ ማስክ ክገብር ይግደድ።
    • ኣብ ዱካናት (ሱፐር ማርኬት)
    • ኣብ ህዝቢ ዝንቀሳቀሰሎም ትካላት።
    • ኣብ ምልላይ ፍርያት፡ሃይማኖታዊ ምትእክካብን ዓለማዊ ምርኢትን።
  •  ኣብ ኣብያተ ሕክምናን ፡ኣብያተ ምክሪ ጥዕናን
  • OP ማስክ II ወይ IIR ዝዓይነቱ ምስ CE ምልክት ዘለዎ ምጥቃም።
  • FFP2 ማስክ ቀዳድ ምውጽኢ ኣየር ዘይብሉ።
  • FFP3 ማስክ ቀዳድ መውጽኢ ኣየር ዘይብሉ።
  • መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን KN95 ወይ N95 ማስክ ምጥቃም።
Image by Wilfried Pohnke from Pixabay

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣብ ቦታ ስራሕ

  • ኩሉ ዝምልከቶ ማስክ ክገብር ይግደድ።
    • ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ዘሎ ምርሕሓቅ ትሕቲ 1.5 ሜትር ምስ ዝከውን።
    • ኣብ ሓደ ዕጹው ክፍሊ ካብ 10 ሜተር ካድራት ንታሕቲ ንሓደ ሰብ ምስ ዝከውን።
      ስለዚ ድማ ብሕክምና ኣፍልጦ ዘለዎ ማስክ ምጥቃም ይግባእ።

ኣብ መእለይ ቦታታት(ሕክምና፡መእለይ ኣረጋውያን)

  • ኩሎም በጻሕቲ FFP2 ማስክ ክገብሩ ኣለዎም።ንኩሎም ወሃብቲ ኣገልግሎትን ሰራሕተኛታትን ድማ የጠቃልል።

ፖለቲካዊ ምትእክካብ

  • ተበዝሑ ክሳብ 500 ሰባት ኣብ ደገ ኣብ ዕጹው ክፍሊ ድማ ክሳብ 50 ሰባት ይፍቀድ።
  • ኣብ ወሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ ካብ 200፤100 25 ክስተታት
  • ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ ካብ 300 ፥10 ክስተት ኣብ ውሽጥን ደገን።

ሃይማኖታውን ዓለማዊ ምርኢትን

  • ምርኢት ወይ ምልላይ ፍርያት ምስ ዝህልወና እሞ ድማ ልዕሊ 10 ሰባት ምስ ንከውን ቅድሚ ሰሙን ኣብ ከባቢና ዘሎ በዓል መዚ ወይ መንግስቲ ንምዝገብ።

ውሸባ ብቁልጡፍ ይከውን ኮረና ምስ ዝህልወና።

  • መርመራ ጌርና እቲ ቫይረስ ምስ ዝህልወና ኣብ ገዛና ኮፍ ክንብል ንግደድ።
  • ምስ ሰባት ምርካብ ነቃርጽ።
  • ዝኮነ ምልክት ሕማም ምስ ዝረኣየና ንበዓል መዚ ጥዕና ንሕብር።

መስተን ኣብያተ መስተን

  • ኣብ ህዝቢ ዝንቀሳቀሰሎምን ህዝቢ ዝእከበሎም ወሃብቲ ኣገልግሎትን፡መጻወቲ ቦታ መዐሸጊ መኪና ባራት ምስታይ ኣይፍቀድን።ኣብ ገዛካ ጥራይ ምስታይ።

ትምህርትን መንእሰያትን ስፖርትን

  • ኩሎም ቤት ትምህርታትን መውዓሊ ህጻናትን ዕጹዋት ኢዮም።

ፍሉይ ኩነታት

  • ዘይ ወግዓዊ መዕጸዊ ትምህርቲ
  • ናይ ዝቅጽል ዘሎ ዓመት መዕጸዊ ፈተና ምግባር።
  • ንሓገዝ ዘድልዮም ተመሃሮ ሓገዝ ምሃብ።

ኣፍናን ኣፍንጫናን ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ንራከበሉን ይኩን ትምህርትን ምክሪ ንረክበሉ ቢታ ምስኬራ ምጥቃም ግድን ይከውን።

https://www.tmasgff.de/covid-19/rechtsgrundlage
https://www.mdr.de/thueringen/corona-verordnung-januar-einundzwanzig-neue-regeln-covid-lockdown-100.html


** ቀጥታዊ ኣገዳሲ ብዛዕባ መገሻ (19.01.2021) **

  • ናብ ጀርመን ክትገይሽ ምስ ትደልዩ ኣብ ዝሓለፋ 10 መዓልታት ኣብ ሓደገኛ ቦታ ምስ ትጸንሑ። [1]
    • ኣብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ናይ ጉዕዞ ምዝገባ ትምዝገቡ (DEA) www.einreiseanmeldung.de ዝምላእ መምርሒ ንመልኦ።
    • ኣብ ወሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ኮረና ነጻ ምካንና ዝገልጽ ወረቀ ወይ ድማ ካብ ሓኪም ዝወሃብ ምስክር።
    • ግድን ድማ 10 መዓልታት ትውሸብ።
  • እዚ ድማ ካብ ኤውረጳዊ ሕብረት ወጻኢ ምስ ትምጽእ ኢዩ።ስለዚ ናይ DEA ደኩመንት ኣብ ናይ ጉዕዞ መቆጻጸሪ ተቅርብ። [2]
 

https://www.bundesgesundheitsministerium.de/presse/pressemitteilungen/2021/1-quartal/einreise-vo.html
https://www.tmasgff.de/fileadmin/user_upload/Gesundheit/COVID-19/Verordnung/Lesefassung_5._QuarantaeneVO_09.01.2021.pdf


** ምንዋሕ ውሸባን ተወሳኪ መምርሕን 11.01.2021 **

እዚ መምርሒ ክሳብ 31.01.2021 ይቅጽል።

ተወሳኪ መምርሒ (ክንገብሮም ዘይብልና)

  • ውልቃዊ ርክብ ኣብ ህዝቢ ዝእከበሎም ቦታታት
    • ሰባት ካብ ገዝኦም ናብ ካልእ ስድራ ካብን ናብን
  • ካብ ትነብረሉ ቦታ ብዙርያ ክሳብ 15 ኪ ሜ ጥራይ ምንቅስቃስ ይፍቀድ።
  • መልከፍቲ ኮረና ካብ 100 000 ተቀማጦ እቶም 300 ሰባት ማላት ቅድሚ 05 መዓልቲ ስለ ዝኮነ፡ሰለማዊ ሰልፊ ክሳብ 25 ሰባት ጥራይ ይፍቀድ።
  • ናይ ውልቀ ትካላት ንብረት ብ online ክትሸጡ ትክእሉን ናይ ምብጻሕ ኣገልጉሎን ውን ክትህቡ ትክእሉ ኣብ ሕሳብ ግን ብዘይ ምትንካፍ።

https://www.landesregierung-thueringen.de/medien/medieninformationen/detailseite/01-2021


** ውሸባ ካብ ረቡዕ 16 ታሕሳስ 2020 ዝተገደቡ ምንቅስቃሳት (16.12.2020) **

ኣብ ክፍሊ ሃገር ቱሪንገን ካብ 16 ታሕሳስ 2020 ክሳብ 10 ጥሪ 2021 ዝቅጽል ዝተገደበ ምንቅስቃስ፡ነዞም ዝስዕቡ የጠቃልል።

ኣብ ገዛካ ይኩን ካልኦም መራከቢታት ካብ ሰዓት 10 ምሸት ክሳብ 05 ንጉሆ ክትንቀሳቀስ ኣይፍቀድን።ምክንያት ምስ ዝህልወካ ድማ ነዞም ዝጥቀሱ ንጥብታት ይምልከት።

  • መቅርብ ወይ መ ኣምዲ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝህሉ።
  • ህጹጽ መድሃኒት ዘድልዮምን ሕርስን።
  • ምእላይ ወይ ምሕጋዝ ፡ኣረጋውያን ሕሙማት፡ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ።
  • ኣብ ግዜ ሞት ዝተሓጋገዙ ሰባት።
  • ኣገዳሲ ሓገዝ ዘድልዮም ከም ስድራ ዘብሎም ቆልዑ ምሕጋዝ።
  • ምብጻሕ መጻምድቲ
  • ምእላይ ቤተሰብ ወይ ኣዝማድ
  • ናብ ስራሕ ምካድ
  • ፍሉይ ሃይማኖታዊ ጽምብል ምጽምባል።
  • ኣለይቲ እንስሳታት

እዚ ምግዳብ ምንቅስቃስ ካብ 24 ክሳብ 26 ታሕሳስ ዘይ ኮነስ ክሳብ 31 ታሕሳስ ሰዓት 10 ናይ ምሽት ክሳብ 01 ጥሪ ሰዓት 03 ኢዩ።

https://www.tmasgff.de/fileadmin/user_upload/Gesundheit/COVID-19/Verordnung/20201214_VerschaerfungsVO.pdf
https://www.mdr.de/thueringen/corona-lockdown-weihnachten-das-gilt-jetzt-regeln-100.html


** ዕጽዋ ኮረና ካብ ረቡዕ 16 -12-2020 (14-12-2020) **

  • ካብ ዕለት 16 ታሕሳስ 2020 ክሳብ 10 ጥሪ 2021 ዝጸንሕ።

ውልቃዊ ርክባት

  • ኣብ ገዛካ ይኩን ኣብ ናይ ካልኦት ገዛ ተበዝሐ ምስ 5 ሰባት ጥራይ ክትራከብ ይፍቀድ፡ቆልዑ ክሳብ 14 ዓመት አዚ መምርሒ ኣይምልከትን።

ኣብ በዓል ልደት (weihnachten)

  • ካብ 24 ክሳብ 26 ታሕሳስ 2020 -ምስ 04 ሰባት ኣብ ከልእ ገዛ ዝቅመጡ ምርካብ ይፍቀድ።
  • ንሳቶም ድማ ካብ ከባቢካ ዝረሓቁ ክኮኑ የብሎምን።

ሓድሽ ዓመት

  •  ማሕበራዊ ምርሕሓቅ ከም ዘለዎ ኮይኑ ክሳብ 05 ሰባት ምእካብ ድማ ይፍቀድ።
  • ብደረጃ ሃገር ምትእክካብ ክልኩል ኢዩ።
  • ብደረጃ ሃገር ርሽት ምውላዕ ውን ክልኩል ኢዩ።
  • ድካናት -ናይ ውልቂ ኣብያተ ንግዲ ዕጹዋት ኢዮም።

ክፉታት ዝኮኑ ትካላት

  • መግቢ ወይ ኣስፔዛ ዝሽየጠሎም ድካናት
  • ምጥላብ ወይ ምእዛዝ መግብን መስተን ካብ ኣብያተ መግብን መስተን ናብ ገዛ ይፍቀድ።
  • ፈርማሲ፡ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ትካላት፡እንዳ ነዳዲ፡ኣብያተ ጋራጅ፡እንዳ መነጸርን ናይ እዝኒ ( መስምዒ) ትካላትን፡እንዳ ብሽግለታ፡ባንኪ፡ቤት ፖስታ፡ኣብያተ ጽሬት፡መሕጸቢ ክዳውንቲ፡ናይ እንስሳታት ዝጥቀምሎምን መግቢ እንስሳታት ዝሽየጠሎም ዕዳጋን፡ ገረብ ልደት ዝሽየጠሎም ቦታታትን።

ዕጹዋይ ዝኮኑ ድማ

  • እንዳ መሻሚጥ ወይ እንዳ ቀምቃማይ
  • እንዳ ስነ ጽባቀ፡
  • ናይ ማሳጅ ትካላትን
  • እንዳ ታቱን

ኣብያተ ጸሎት

  • ኣብ ትሕቲ መምርሒ ኮረና ፡ማሕበራዊ ምርሕሓቅን ግድን ማስክ ምጥቃምን፡ምዝማር ግን ኣይፍቀድን።

ቤት ትምህርትን መውዓሊ ህጻናትን

  • ካብ 16 ታሕሳስ2020 ክሳብ 10 ጥሪ 2021 ዕጹው ይከውን።ብጀካ ብፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም።

መስተ

  • ካብ ዕለት 16 ታሕሳስ2020 ክሳብ 10 ጥሪ 2021 ተጠቀምቲ ኣብ ኣብያተ ባራት ከድካ ምስታይ ኣይፍቀድን።

https://www.landesregierung-thueringen.de/medien/medieninformationen/detailseite/139-2020
https://www.mdr.de/nachrichten/politik/inland/corona-lockdown-beschluesse-bund-laender-100.html


 
** ሓዱሽ መምርሒ ኮረና 30 ሕዳር 2020 **
 
ካብ 01 ታሕሳስ ክሳብ 20 ታሕሳስ 2020 ድማ ይቅጽል።
 
  • ብሓባር ምርካብ ኣዝማድ ይኩን ፈለጥቲ፡መሓዙት ዝተደረተ ይከውን።
  • ክልተ ገዛ ወይ ድማ ተበዝሑ ሓሙሽተ ሰባት ምርካብ ይፍቀድ።
  • ንቆልዑ ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድሚኦም አዚ መምርሒ ኣይምልከትን።
ግድን ክንገብሮም ዝግበአና፡ኣፍናን ኣፍንጫናን ብማስክ ምሽፋንን ከም ዘለዎ ይቅጽል።
 
  • ኣብ ኩሎም ዕጽዋት ክፍልታት ወይ ኣደራሻት
  • ኣብ ህዝቢ ዝግልገለሎም ትካላት ክንኣቱን ክንወጽእን ማስክ ምጥቃም።

 
** ምምሕዳር ቤት ምክሪ ilm- kreis ሓዱሽ መምርሒ ብዛዕባ ምንቅስቃስ ህዝቢ ኣውጺኡ። (16.11.2020) **
 
  • ምስ ምውሳክ መልከፍቲ ሕማም ኮረና ቤት ምክሪ ilm-kreis ካብ 16 ሕዳር 2020 ሓዱሽ መምርሒ ንተገልገቲ (ህዝቢ) የውጽእ።
  • ክፉታት ዝኮኑ ቤት ጽሕፈታት
    • Ichtershauserstrasse 13 ኣብ Arnstadt
    • ህዝባዊ ኣገልግሎት   Ilmenau Krankenhausstrasse 12a
  • መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ኩሉ ግዜ ክፉት ኮይኑ  ብቴለፎን፡ፖስታ፡ኢሜይል፡ወይ ድማ ፋክስ ምርካብ ይከኣል። ቤት ጽሕፈት ተሽከርከርትን ምምርሒ ፍቃድ መኪናን ድማ፡  ሰኑይ፡ረቡዕ ፡ዓርቢ ካብ 8፥30 ክሳብ 12:00 ኢዩ። ሰሉስን ሓሙስን ድማ    ካብ 8:30 -12:00 ቅ/ቀ  13:30-18:00  ድማ ድ/ቀ
  • ኣብ ዝኮነ ቤት ጽሕፈት ወይ ድማ Landratsamt ቆጸራ ምስ ዝህልወና ንሕግታት መከላከሊ ኮረና ብግቡእ ከነስተውዕለሎም ይግባእ። ግቡእ ምፍንታት ካብ ሰብ ናብ ሰብ፡ማስክ ምግባር፡ጽሬት ምዝውታርን።
  • ተውሳኪ ሓበሬታ ንናይ መንግስታዊ ትካላት ኣብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትረክቡ ይከኣል። https://www.ilm-kreis.de/Landkreis/Das-Landratsamt/Die-%C3%84mter-des-Landratsamtes/
 
 

** ቀጥታዊ ኣብ Ilm-kreis ብኮረና ዘተለክፉ። (12.11.2020 9:00 Uhr) **

  • 395 ሰባት ሓሚሞም
  • 84 ገና ምስቲ ሕማም ዘለዉ።
  • 304 ሰባት ድማ ዝሓወዩ።
  • 07 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብሓፈሻ ድማ 50.8 ኣብ ውሽጢ 07 መዓልቲ ካብ 100000 ተቀማጦ ተለኪፎም።
  • ኣብ ዞባ ቱሪንገን ድማ 3141 ሰባት በዚ ሕማም ተለኪፎም ኣለዉ።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** ቀጥታዊ ኣብ Ilm-kreis ብኮረና ዘተለክፉ። (30.10.2020 7:00 Uhr) **

  • 288 ሰባት ሓሚሞም
  • 43 ገና ምስቲ ሕማም ዘለዉ።
  • 238 ሰባት ድማ ዝሓወዩ።
  • 07 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብሓፈሻ ድማ 31.1 ኣብ ውሽጢ 07 መዓልቲ ካብ 100000 ተቀማጦ ተለኪፎም።
  • ኣብ ዞባ ቱሪንገን ድማ 1886 ሰባት በዚ ሕማም ተለኪፎም ኣለዉ።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** ሓዱሽ መምርሒ (ሕጊ) ብዛዕባ ኮረና 30.10.2020) **

  • ካብ ዕለት 02 .11.2020 ድማ ተግባራዊ ይከውን።
  • ማሕበራዊ ምርካብ ካብ 10 ሰባት ዘይ በዝሑ ወይ ድማ ክልተ ስድራቤታት ክከውን ኣለዎ።
  • መዕረፍ ኣጋይሽ (ባራትን ካንቲናትን )ድማ ዕጽዋት ኢዮም።መግቢ ምውሳድን ናብ ገዛ ምጥላብን ግን ፍቁድ ኢዩ።
  • ናይ መዘናግዒ ትካላት ከም ሲነማ፡ኣብያተ ምርኢትን ኣብያተ ትያትርን ድማ ዕጽዋት ኢዮም።
  • በጻሕቲ (ቱሪስት) ኣብ ሆቴል ኮነ መዕረፍ ኣጋይሽ ምሕዳር ክልኩል ኢዩ።
  • ስፖርታዊ ምዝንጋዕ ንኣሽቱን ዓበይትን ክለባት ብዘይ ተዓዘብቲ ይከውን።
  • እንዳ ስነ ጽባቀን ማሳጅን ድማ ዕጽዋት ኢዮም።
  • እንዳ ቀምቃማይን ወይ እንዳ መሻጢትን ግን ከም ዘለዎም ክፉታት ኢዮም።
  • ቤት ትምህርትን መውዓሊ ህጻናትን ድማ ከም ዘለዎም ይቅጽሉ።
  • ዓበይትን ንኣሽቱን ናይ መሸጢ ንብረታት ኣብ ትሕቲ ጽዕቅ ቁጽጽር ከምዘለዎም ይቅጽሉ።

https://www.tagesschau.de/inland/corona-regeln-november-101.html
https://www.bundesregierung.de/breg-de/aktuelles/bund-laender-beschluss-1805264


** አዋናዊ ብሕማም ኮረና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis (08.10.2020, 9:00 Uhr) **

  • ጠቅላል 218 ሰባት በዚ ሕማም ተታሒዞም ነይሮም።
  • ህሉው 8
  • 203 ሰባት ድማ ሓውዮም።
  • 7 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብጠቅላላ ኣብ ዞባ ቱሪንገን አዋናዊ በዚ ሕማም አዚ ተለኪፎም ዘለዉ 279 ሰባት ኢዮም።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** አዋናዊ ብሕማም ኮረና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis (25.09.2020) 13:00 Uhr **

  • ጠቅላል 215 ሰባት በዚ ሕማም ተታሒዞም ነይሮም።
  • ህሉው 34
  • 174 ሰባት ድማ ሓውዮም።
  • 7 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብጠቅላላ ኣብ ዞባ ቱሪንገን አዋናዊ በዚ ሕማም አዚ ተለኪፎም ዘለዉ 269 ሰባት ኢዮም።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


**ሰበ ስልጣን ጥዕና ንምክልካል ኮረና ኣጸቢቅና ክንሕዞ ይጽውዕ። (21.09.2020)**

  • ኣብ ilm-kreis ቁጽሪ ብሕማም ኮረና ዝተለክፉ ይውስክ።33 ሰባት ካብ 100 000 ነበርቲ ወይ ተቐማጦ ማለት ኢዩ።
  • አቲ ወሳኒ ዝኮነ ኮለጅ ምርምር ጥዕና (Robert koch institut) 35 ሰባት ካብ 100 000 ተቀማጦ ጀርመን ኣብ ወሽጢ ሓደ ሰሙን መዝጊቡ ኣሎ።
  • ስለዚ ሰበ ስልጣን ጥዕና ilm-kreis ድማ ግቡእ ወይ ብዙሕ ጥንቃቀ ክንገብር ይጽውዕ።
  • ግቡእ ጽሬት ሰብነት፡ኣፍናን ኣፍንጫናን ብማስክ ምሽፋን ።ብፍላይ ኣብ ህዝባዊ መጋዓዝያን ፡ህዝባዊ ኣገልግሎትን ከም ድካናትን ቤት ጽሕፈታትን። ብግቡእ ክንሓስበሉ ዘለና ድማ ምብጻሕ ቤተ ሰብን ካብ ናብ ምግዓዝን፡ናይ ውልቂ ጉዳያት ኣብ ምግባር ከም ጥምቀት ፡ዓመት ቆልዓ ወዘተ ።ክበጽሑና ንዝመጹ ሰባት ቤተ ሰብ ይኩኑ ካልእ ካብይ ከም ዝመጹ ምፍላጥን ግቡእ ምክልካል ምጥቃም።

https://ilm-kreis.de/Quicknavigation/Startseite/Gesundheitsamt-appelliert-Halten-Sie-den-Infektionsschutz-ein-.php?object=tx,2778.5&ModID=7&FID=2778.2875.1


** አዋናዊ ብሕማም ኮረና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis (17.09.2020) 9:00 Uhr **

  • ጠቅላል 188 ሰባት በዚ ሕማም ተታሒዞም ነይሮም።
  • ህሉው 26
  • 155 ሰባት ድማ ሓውዮም።
  • 7 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብጠቅላላ ኣብ ዞባ ቱሪንገን አዋናዊ በዚ ሕማም አዚ ተለኪፎም ዘለዉ 206 ሰባት ኢዮም።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** አዋናዊ ብሕማም ኮረና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis (09.09.2020) 12:00 Uhr **

  • ጠቅላል 171 ሰባት በዚ ሕማም ተታሒዞም ነይሮም።
  • ህሉው 12
  • 153 ሰባት ድማ ሓውዮም።
  • 6 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብጠቅላላ ኣብ ዞባ ቱሪንገን አዋናዊ በዚ ሕማም አዚ ተለኪፎም ዘለዉ 122 ሰባት ኢዮም።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** አዋናዊ ብሕማም ኮረና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis (02.09.2020) 14:00 Uhr **

  • ጠቅላል 158 ሰባት በዚ ሕማም ተታሒዞም ነይሮም።
  • ህሉው 1
  • 151 ሰባት ድማ ሓውዮም።
  • 6 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብጠቅላላ ኣብ ዞባ ቱሪንገን አዋናዊ በዚ ሕማም አዚ ተለኪፎም ዘለዉ 117 ሰባት ኢዮም።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** አዋናዊ ብሕማም ኮረና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis (13.08.2020) 17:00 Uhr **

  • ጠቅላል 154 ሰባት በዚ ሕማም ተታሒዞም ነይሮም።
  • ህሉው 6
  • 142 ሰባት ድማ ሓውዮም።
  • 6 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብጠቅላላ ኣብ ዞባ ቱሪንገን አዋናዊ በዚ ሕማም አዚ ተለኪፎም ዘለዉ 115 ሰባት ኢዮም።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** ግዴታ መርመራ ሕማም ኮረና ንካብ ሓደገኛ ቦታ ዝመጹ በጻሕቲ (07.08.2020) **

ካብ ዕለት 08.08.2020 ድማ ይጅምር።

– እቶም ካብ ሓደገኛ ሃገራት ወይ ከባቢታት ምስ ትምለሱ ግድን
ድሕሪ መገሻኩም ወይ ዕረፍትኩም ነጻ ክፍሊት መርመራ ሕማም ኮረና ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝኣተክምሉ ግዜ ምርመራ ክትገብሩ ትግደዱ።

ካብቲ ዝመጻኩምሉ ቦታ ወይ ሃገር ካብ ሕማም ነጻ ምካንኩም ዝገልጽ ውጽኢት ካብ 48 ሰዓታት ንላዕሊ ምስ ዝከውን ፡መረጋገጺ ክከውን ኣይክእልን።

https://www.rki.de/DE/Content/InfAZ/N/Neuartiges_Coronavirus/Risikogebiete_neu.html

ንኩልኩም ካብ ዑደትኩም ትምለሱ ገያሾ ካብ ሓደገኛ ዘይኮነ ቦታ ናብ ጀርመን ትምለሱ ገያሾ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ነጻ ናይ መርመራ ዕድል ኮረና ቫይረስ ኣለኩም።

https://www.bundesregierung.de/breg-de/themen/coronavirus/pflichtests-kommen-1774748
https://www.bundesregierung.de/breg-de/themen/coronavirus/faq-reisen-1735032


** አዋናዊ ብሕማም ኮረና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis (03.08.2020) 15:00 Uhr **

  • ጠቅላል 146 ሰባት በዚ ሕማም ተታሒዞም ነይሮም።
  • ህሉው 5
  • 135 ሰባት ድማ ሓውዮም።
  • 6 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብጠቅላላ ኣብ ዞባ ቱሪንገን አዋናዊ በዚ ሕማም አዚ ተለኪፎም ዘለዉ 62 ሰባት ኢዮም።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** ኣብ መዋእል ህጻናትን ቤት ትምህርትን ካብ 31 ነሓሰ 2020 (28.07.2020) **

ኣብያተ ትምህርትን መዋእለ ህጻናትን ካብ 31 ነሓሰ ግቡአ ስርሐን ክጅምራ ኢየን።መንአሰያትን ቆልዑን ድማ ከምቲ ልሙድ ክመሃሩን ክእለዩን ኢዮም።ኣብዚ ድማ ሰለስተ ደረጃታት ንምምሕልላፍ ኮረና ከዕብዩ ዝክእሉ ተክኡሎታትት ኣለዉ።

  • 1ይ ደረጃ -ምትሕልላፍ ኮረና ንምክልካል ክንገብሮም ዝግበኣና ናይ ምክልካል ኣሰራርሓ።(ቀጠልያ)
    • ኩሎም መንእሰያትን ቆልዑን ግቡእ ትምህርትን ምእላይን ክግበረሎም ኣለዎ።
    • ኩሉ ሰራሕተኛ ድማ ንጡፍ ይከውን።
    • ንመከላከሊ ምትሕልላፍ ሕማም ኮረና ዝውሰድ ስጉምቲ ተግባራዊ ይከውን።
  • 2ይ ደረጃ- ድማ ግቡአ ርሕቀት ወይ ምፍንታትን ትካልት ትምህርቲ ዝለዓለ መከላከሊ ሕማም ምጥቃም።(ብጫ)
    • ብውልቂ በቲ ሕማም ዝተለክፈ ኣብ ቤት ትምህርትን መዋኣለ ህጻናትን
    • ከባብያውን ዞባውን ዝለዓለ ቁጽሪ ኮረና።
    • ብዙሕ ስጉምታት ምውሳብን ምክትታልን።
  • 3ይ ደረጃ- ምዕጻው (ቀይሕ፡ሓደገኛ)
    • ዝለዓለ ቁጽሪ ሕማም ኮረና
    • ትካላት መዋኣለ ህጻናትን ቤት ትምህርትን ንግዚኡ ይዕጸዋ።

https://bildung.thueringen.de/fileadmin/2020/2020-07-23_Stufenkonzept_Schule_Kita_Pandemie_2020-2021.pdf


** አዋናዊ ብሕማም ኮረና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis (24.07.2020) 09:00 Uhr **

  • ጠቅላል 144 ሰባት በዚ ሕማም ተታሒዞም ነይሮም።
  • ህሉው 6
  • 132 ሰባት ድማ ሓውዮም።
  • 6 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብጠቅላላ ኣብ ዞባ ቱሪንገን አዋናዊ በዚ ሕማም አዚ ተለኪፎም ዘለዉ 54 ሰባት ኢዮም።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** አዋናዊ ብሕማም ኮረና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis (18.07.2020) 11:00 Uhr**

  • ጠቅላል 143 ሰባት በዚ ሕማም ተታሒዞም ነይሮም።
  • ህሉው 7.0
  • 130 ሰባት ድማ ሓውዮም።
  • 06 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብጠቅላላ ኣብ ዞባ ቱሪንገን አዋናዊ በዚ ሕማም አዚ ተለኪፎም ዘለዉ 62 ሰባት ኢዮም።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** ብግቡአ ከነስተውዕለሎም ኣገደስቲ ተርአዮታት(13.07.2020) **

ካብ ዕለት 16 ክሳብ 30 ነሓሰ 2020

ምብጽጻሕ ጎረባብቲ ከምኡ ውን ሕሙማት ፡ክሳብ 02 ሰዓት ኣብ መዓልቲ ይፍቀድ።

ኣብ ዕጹዋት ክፍሊ ዝካየድ ኣገባብ ምርካብ ግድን ከም ዘለዎ ይቅጽል።

-መዕረፊ ኣጋይሽ
– ወግዓዊ ምርኢታት
-ዓበይቲ ኣደራሻትን ፡ፍሉይ ናይ ዕዳጋ ምርኢት።
– ናይ ሳውና ቦታትትን፡መሐንበሲ ቦታትን
-ባህላዊ ትካላትን ፡ህዝባዊ መጛዓዝያን(ቤተ መዘከር፡ትያትር ቤት፡ሲነማን) ወዘተ።
-ክሳብ 30 ነሓሰ 2020 ተዓጽዮም ዝጸንሑ ትካላት ድማ።
-ኣብያተ ትልሂት ወይ ድማ ዲስኮ
-ኣብያተ ኣመንዝራን ከምኡ ዝኣመሰሉን።

https://corona.thueringen.de/behoerden/ausgewaehlte-verordnungen


** አዋናዊ ብሕማም ኮረና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis (09.07.2020) 07:00 Uhr**

  • ጠቅላል 137 ሰባት በዚ ሕማም ተታሒዞም ነይሮም።
  • ህሉው 1.0
  • 130 ሰባት ድማ ሓውዮም።
  • 06 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብጠቅላላ ኣብ ዞባ ቱሪንገን አዋናዊ በዚ ሕማም አዚ ተለኪፎም ዘለዉ 89 ሰባት ኢዮም።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** አዋናዊ ብሕማም ኮረና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis(26.06.2020) 09:00 Uhr**

  • ጠቅላል 136 ሰባት በዚ ሕማም ተታሒዞም ነይሮም።
  • ህሉው ልኩፋት የለን(0)
  • 130 ሰባት ድማ ሓውዮም።
  • 06 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብጠቅላላ ኣብ ዞባ ቱሪንገን አዋናዊ በዚ ሕማም አዚ ተለኪፎም ዘለዉ 169 ሰባት ኢዮም።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** መጠንቀቅታ ካብ ኮረና ትሕብር መሳርሒት ንስማርት ሞባይል Robert- Koch ኮለጅ( 17.06.2020) **

  • አዛ ናይ መጠንቀቅታ ኣፕሊኬሽን ንምስፍሕፋሕ ኮረና ክትቆጻጸር ዝተሓስበት ኢያ።
  • ዝኮነ ሰብ ተመርሚሩ ኮረና ምስ ዝህልዎ ኣብቲ ናቱ ኣፕሊኬሽ ይጸዓን ደሓር ፡ንተጠቀምቲ አታ ኣፕሊኬሽን ሓበሬታ ይመጻና ማለት ኣብ ጥቃካ ዘሎ ሰብ ኮረና ከም ዘለዎ።
  • ብብልቱዝ ኣቢሉ ድማ ናብ ካልአ ሞባይላት ይመሓላለፍ።
  • አዛ ናይ መጠንቀቅታ ኣፕሊኬሽን ካብ ኮለጅ Robert-Koch ህንዝቢ ክጥቀመላ ዝተዋህበት ኢያ።
  • አዛ ናይ መጥንቀቅታ ኣፕሊኬሽን ብድልየትና ክንጥቀመላ ንክአል።
  • አዛ ኣፕሊኬሽን ብቃንቃ ጀርመንን ኢንግሊዝኛን ክትከውን ኢያ ።ቀጺሉ ድማ ብቃንቃ ቱርኪ

ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ድማ ብቃንቃ ጀርመን ሓብሬታ ክትረክቡ ትክአሉ።
(mit Bildern, auf Deutsch): https://www.rki.de/SharedDocs/Bilder/infAZ/neuartiges-Coronavirus/WarnApp/Funktion.jpg?-blob-poster&-4

ከተውርድዋ ከለኩም ድማ
iOS (Apple): https://apps.apple.com/de/app/corona-warn-app/id1512595757
Android: https://play.google.com/store/apps/details?id=de.rki.coronawarnapp

Quellen:
https://www.golem.de/news/auf-github-telekom-und-sap-veroeffentlichen-quellcode-der-corona-app-2005-148827.html
https://www.rki.de/DE/Content/InfAZ/N/Neuartiges_Coronavirus/WarnApp/Warn_App.html


** ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ስደተኛታት ተከልኪሉ ዝነበረ ናይ ህዝቢ ምንቅስቃስ (15.06.2020) **

  • ኣብ ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ስደተኛታት Ilm-kreises ካብ ሰኑይ 15 ሰነ 2020 ተከልኪሉ ዝነበረ ናይ ህዝቢ ምንቅስቃስ ዳግም ተፈቂዱ ኣሎ።
  • ንኩልኩም መምበሪ ፍቃድ ተሐድሱ ፡ግዚኡ ዝሓለፈ መንበሪኩም ክሳብ 30 መስከረም 2020 ክናዋሓልኩም ኢዩ ።አዚ ድማ ሕጋዊ ምክንያት ምስ ዝህልወኩም ኢዩ።
  • ስደተኛታት ይኩኑ ደቂ ዓዲ ቆጸራ ናይ መንግስቲ ክትሕዙ ኣለኩም።
  • ንዝኮነ ጉዳይ ቆጸራ ምግባር ግድን ኢዩ።ተዘይ ኮይኑ ቀጥታዊ ምንዋሕ የለን።ዝኮነ ዘረባ ብዘይ ቆጸራ ክከውን ኣይክአልን።
  • ቆጸራ ምክባር ድማ ኣገዳሲ ኢዩ።
  • ብምክንያት ሓፈሻዊ ምሕዳስ መንበሪ ፍቃድ ኣብ ውሽጢ ህንጻ በዓል መዚ ወጻአተኛታት ፡ኣፍናን ኣፍንጫናን ብማስኬራ ክንሽፍን ይግባአ።

Link: Allgemeinverfügung 15.06.


** ህሉው ብኮረና ዝተለክፉ ኣብ Ilm-kreis(15.06.2020)08:00 uhr **

  • ብጠቅላላ 136 ሰባት
  • ህሉው 0.0
  • 130 ሰባት ድማ ሓውዮም።
  • 06 ሰባት ድማ ሂወቶም ስኢኖም።
  • ህሉው ሕሙማት ኣብ ትሪንገን 341 ሰባት ኣለዉ።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** ሓዱሽ መምርሒ ኮረና ዞባ ቱሪንገን (10.06.2020) **

ካብ ቀዳም 13 ሰነ አዞም ዝስዕቡ መምርሒታት ኣብ ቱሪንገን ይትግበሩ።

ሓፈሻዊ መምርሒ ሕማም ኮረና ኣብ ቱሪንገን

መምርሒታት ድሩት ምርካብ ተላዒሉ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ቱሪንገን ዝኮነ ሰብ ምስ ዝኮነ ሰብን ትካላትን ክራከብ ተፈቂዱ ኣሎ።

ዝኮነ ስብ ድማ ዋላ አካ ምርካብ ተተፈቅደ ግን ብዝኮነ ምጥንቃቅ ድማ ኣገዳሲ ኢዩ ።

ምክሪ ምስ ቤተሰብኩምን ምስ ጎረቤትኩም ጥራይ ክትራከቡ ኣለኩም።

ምስ ካብ ዓሰርተ ሰብ ንላዕሊ ክትራከቡ ድማ ኣይፍቀድን።

ርሕቀት ምሕላው ከም ዘለዎ ይቅጽል።

ኣብ ዝኮነ ቦታ ማሕበራዊ ምርሕሓቅ አንተውሓደ 1.5 ሜተር ክከውን ኣለዎ።

ማስኬራ ምግባር ከም ዘለዎ ይቅጽል።

ኣብ ዱኻናት ፡ህዝባዊ መጋዓዝያ ከም ባቡር፡ታክሲ፡ኣውተቡስ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣፍናን ኣፍንጫናን ብማስክ ክንሽፍኖ ይግባአ።

ኣብዚ ዝተጠቅሰ ቦታታት ብዘይ ማስኬራ ምካድ ካብ 50 ኤውሮ ዘይውሕድ የቅጽዕ።

ኣብ ትካላትን ህዝባዊ ምጋዓዝያን ኣብ ዕጽዋት ክፍልታት፡ቤት መግቢ ምስ ኣጋይሽ ምስ ንተናከፍ መከላከሊ ክህልወና ይግባአ።

መውዓሊ ህጻናትን ቤት ትምህርትን

ካብ 15 ሰነ ጀሚረን መዓልታዊ ኣገልግሎት ንኩሎም ቆልዑ ክህባ ኢየን።

ካብ 5ይ ክፍሊ ርሕቀት ምሕላው።

ኣብ ክረምታዊ ዕረፍቲ መውዓሊ ህጻናትን ትካላት ክሰርሓ ኢየን።

ካብ 31 ነሓሰ ድማ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ናብቲ ግቡአ ስርዓተ ትምህርቲ ክምለሳ ኢየን።

ምብጻሕ ኣብ ሰፈር ኣረጋውያን፡ሕክምናን መናበይ ኣረጋውያንን

ሕሙማት ኣብ ሕክምና፡ሰፈር ኣረጋውያንን ኣካለ ስንኩላትን በብሓደ ሰብ ክንበጽሕ ንክአል።
ናይ ምብጻሕ ግዜ ተበዝሐ ክልተ ሰዓት።

ኣብ ፍሉይ ኣገልግሎት ሕክምናን መሕረሲ ቦታን ውን ምብጻሕ ይከኣል።

ምንቅስቃስን ሓቢርካ ስፖርት ምስራሕ

ኣብ ነጻ ግዜ ስፖት ኣብ በዓላት ብምርሕሓቅ

ኣብ ናይ ልምምድ ቦታ ጋንታታት ነጻ ምንቅስቃስ።

ኣህጉራዊ ግጥማትን ምርኢታትን ምስ ተዓዘብቲ ከም ዘለዎ ይቅጽል።

ጽምብላትን ምልላይን

ናይ ስድራቤት ጽምብል፡ዕለተ ልደት፡መርዓ፡ ተፈቂዱ ኣሎ።

ካብ 30 ሰባት ንላዕሊ ኣብ ዕጹው ክፍሊ ካብ 75 ሰባት ንላዕሊ ኣብ ደገ ፡ምስ ዝከውን ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ንዝምልከቶ ኣካል ናይቲ ትነብረሉ ከተማ ምሕባር።
ሰባት ምስ ተኣከቡ ዝኮነ ምከላከሊ ምጥቃም ተዘይ ኮነ አቲ ዝኣከበ ሰብ ማለት በዓል ጉዳይ ተሓታቲ ይከውን።

ፖለቲካዊ ምትአክካብ
ሰለማዊ ሰልፊ ክግበር ውን ይከኣል።

ኣብ ዞባ ቱሪንገን ክክፈቱ ዝተፈቅደሎም።

ሲነማ፡ናይ ገዛ ምርአት፡ ትያትር

መዓልታዊ ኣገልጉሎት ዝህባ ትካላት

ሳውና ፡ዕጹው መሐንበሲ

ኣደራሻትን ምርኢትን ወግዓዊ ካብ ናይቲ ከባቢ በዓል መዚ ብምፍቃድ።

መጋዓዝያ ኣውተቡስን ምሕባርን

ቤት መግብን መስተን

ሆቴል ፡መዕረፊ ኣጋይሽ፡

ቤት ትምህርቲ ሚዚቃን ምምራሕ መኪናንን

በሕንበሲ ቦታታት

ናይ ስፖርት መስርሒ ቦታ

ቤተ መዘከር፡ናይ አንስሳታት ቦታ፡ናይ ቅርጻን ቅብኣን ቦታ።

አንዳ ቀምቃማይ ፡ኣብያተ ጽባቀ፡ናይ ጽፍሪ ጽባቀ ኩሎም አዞም ዝተጠቅሱ ተፈቂዶም ኣለዉ።

ክሳብ ሕጂ ዘተፈቅዱ ኣብ ቱሪንገን

ብሃገር ዝካየዱ ትያትር ፡ጉጅለ ሙዚቃን(ኦርኬስትራ)

ዓበይቲ መላለይ ምር ኢት ክሳብ 1000 ሰባት ዝሳተፍዎ ክሳብ 31 ሰሓሰ ኣይተፈቅደን ።ክሳብ ሽዑ ዝኮነ ምርኢት፡ፈስቲቫል፡ወይ ዓቢ ስፖርታዊ መደብ ምስ በጻሕቲ ኣይፍቀድን።

ኣብያተ ዲስኮን ፡ኣብያተ ኣመንዝራን ውን ኣይተፈቅደን።

https://www.mdr.de/thueringen/coronavirus-covid-neue-regeln-verordnung-100.html
https://ilm-kreis.de/media/custom/2778_1191_1.PDF?1591712515


** ክፉት ናይ መሐንበሲ ቦታ ኣብ ilmenau ተከፊቶም ኣለዉ።(05.06.2020) **

  • ካብ ረቡዕ 03.06 ድማ ኣብ ilmenau ዝርከባ ናይ ደገ መሐንበሲታት ተከፊተን ኣለዋ።
  • አተበዝሑ ክሳብ 800 ሰባት ድማ ኣብ ሓደ ግዜ ክሕንብሱ ይክአሉ።
  • ኣብ መአተውን ኣብ ውሽጢ ህንጻን ድማ ማስክ ምግባር ግድን ይከውን።
  • ኩለን ኣብያተ ሕብስቲ ድማ ተከፊተን ኣለዋ።
  • ኣብ ውሽጢ ህንጻ ምሕጻብ ዕጹው ኢዩ።ንፋስ ከም ዝኣትዎ ተጌሩ ኣሎ።
  • ንኮነ ወንበር መኮፈሊ ወይ መደቐሲ ምልቃሕ ኣይፍቀድን።

https://www.ilmenau.de/506-0-Sport-+und+Freizeitbad+.html


** ቀጥታዊ ቁጽሪ ብኮረና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis (05.06.2020, 08:00 Uhr) **

  • 136 ሰባት በዚ ሕማም ተለኪፎም።
  • 126 ሰባት ድማ ሓውዮም።
  • 06 ሰባት ድማ ሂወቶም ስኢኖም።
  • ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ቱሪንገን ቀጥታዊ ሕሙማት ኮረና 419 ሰባት ኣለዉ።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** ህሉው መደብ ኮረና ንሓደ ሰሙን ተናዊሑ ኣሎ (03.06.2020) **

መንግስቲ ቱሪንገን መደብ ምክልካል ኮረና ንግዚኡ ንሓደ ሰሙን ክሳብ 12 ሰነ ኣናዊሕዎ ኣሎ።

ኣብ ዝመጽአ ሰሉስ 09 ሰነ መንግስቲ ቱሪንገን ሓዱሽ መምርሒ ከጽድቅ ኢዩ።ኣብ 13 ሰነ ድማ ናይ ምዝላቅ ክርአ ኢዩ።

ክሳብ ሽዑ ድማ ኣዝማድኩምን ክልተ ስድራቤታት ኣብ ሓደ ዝቅመጣ ክበጻጽሓ ይክአላ።
ማስክ ምግባር ግድን ኢዩ፡ብፍላይ ኣብ መጋዓዝያ ከም ዘለዎ ይቅጽል።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-virus-news-ticker-dritter-juni-mittwoch-100.html


** ሓብሬታ ንዝገሹን ዝምለሱን(03.06.2020) **

ንኩልኩም ካብ ኤውረጳ ሕብረት ወጻኢን ከምኡ ዉን Island,Liechtenstein,Norwegen,der Schweiz,Grossbritannien und Nordirland ናብ ቱሪንገን ትመጹን ትወጹን ብህጹጽ ኣብቲ ትከድዎ ቦታ ን14 መዓልታት ቅድሚ ምካድኩምን ምምጻአኩምን ትውሸቡ።

ዝተወሸቡ ሰባት ክብጽሑ ኣይግበኦምን ዋላ ኣዝማዶም ይኩኑ።ምቅባል ውን ኣይፍቀድን።

ዝተወሸቡ ሰባት ምስ ዝምልከቶ ኣካል መንግስትን ርክብ ክገብሩ ይግባአ፡ዝተሰምዖም ምልክታት ድማ ንሰብ ሞያ ጥዕና ክሕብሩ ይግባአ።

https://corona.thueringen.de/behoerden/ausgewaehlte-verordnungen


** ምክፋት Rathaus und servicesburo,ምዕጻው ሕግታት ትካላት መውዓሊ ህጻናት(03.06.2020) **

ካብ ዕለት 02.06.2020 ከም Ilmenau Rathaus ከምኡ ውን ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት Gehren,Gräfinau-Angstedt und Langewiesen ንህዝቢ ዝህብኦ ኣገልግሎት ዳርጋ ጀሚሩ ኣሎ።ካብቲ ዝነበረስ ቁሩብ ተቀይሩ። ሰዓታት ናይ ስራሕ ድማ ከምቲ ናይ ቀደሙ።

https://www.ilmenau.de/4309-0-Uebersicht+der+aktuellen+Oeffnungszeiten+ab+29052020.html


** ምስ ሰባት ምርካብን ማሕበራዊ ምርሕሓቅን ከም ዘለዎ ይቅጽል።(29.05.2020) **
ከምኡ ውን ኩሎም ዝተፈቅደሎም ወሃብቲ ትካላት ይኩኑ ድኻናት ውን ከም ዘለዎም ይቅጽሉ።

  • ክልተ ስድራቤታት አሞ ድማ ኣብ ሓደ ቦታ ዝቕመጡ ክራከቡ ይፍቀድ።
  • ማሕበራዊ ምርሕሓቅን ምስ ዝኮነ ሰብ ምርካብ ኣብ ወግዓዊ ቦታታትን ካልአን ርሕቀትና 1.5 ሜተር ብውሑዱ ይከውን።
  • ማስክ ምጥቃም ኣብ መላአ ቱሪንገን ኮይኑ ፡ማለት ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ከም ድኻናት፡መጋዓዝያ፡ኣውተቡስ ባቡር ወዘተ ማስክ ክንጥቀም ግዴታ ኢዩ።
  • ምህንጣስን ቀጻሊ ሰዓን ድማ ከነስተውዕል ይግባአ።
  • ጽሬት ገዛን ፡ሓዱሽ ንፋስ ከም ዝኣትዎ ምግባር።
  • ብሓፈሻ ጽሬት ሰብነትና ድማ ንሓሉ።ኢድና ደጋጊምና ንተሓጸብ።

** Landratsamt Ilmenau und Arnstadt ናይ ስራሕ ሰዓታቱ ካብ 02 ሰነ 2020 ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝስዕብ መዓልታትን ግዜ ክህብ ኢዩ። **

  • ሰኑይ ካብ 8፥30 ክሳብ 12፥00
  • ሰሉስ ካብ 8:30 – 12:00 ድሕሪ ቀትሪ 13:00-18:00
  • ረቡዕ 8:30-12:00
  • ሓሙስ 13:00-18:00
  • ዓርቢ ዕጹው ኢዩ።

https://www.ilm-kreis.de/Quicknavigation/startseite/Landratsamt-erweiter-%C3%96ffnungszeiten-in-den-Au%C3%9Fenstellen.php?object-tx,2778.5&ModID-7&FID-2778.2367.1


** ቀጥታዊ ሕሙማት ኮሮና ኣብ Ilm-kreis (29.05.2020) 06:00 Uhr)**

  • 135 ሰባት ብኮረና ተለኪፎም 08 ካብኦም ድማ ገና ኣይሓወዩን።
  • 123 ሓውዮም
  • 04 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ቱሪንገን 607 ሰባት ሕሙማት ኣለዉ።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** ቱሪንገን ዝርዝር መቅጻዕቲ ገንዘብ ንመከላከሊ ማስኪራን ፡ማሕበራዊ ምርሕሓቅ 1.5 ሜትር(15-05-2020)**

  • ማስክ ዘይ ገበረ ማለት ኣብ ክግበር ዝግበኦ ቦታ 50$ ኤውሮ ይቅጻዕ።ብጀካ ብሕክምና ዝተፈቅደሉ።
  • ማሕበራዊ ርሕቀት ብዉሑድ 1.5ሜተር ክከውን ይግባአ።ነዚ ምስ ዘይነተግብር ድማ 100$ ኤሮ የቅጽዕ።
  • ካልአ ምስ ትጥሕስ ድማ ዝርዝር ገንዘባዊ መቅጻዕቲ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ናይ ኢንተርነት ሓበሬታ ክትረክቡ ትክአሉ።https://Corona.thueringen.de/behoerden/bussgeldkatalog

** ኣብ ilm-kreis ብኮረና ዝተለክፉ (15-05-2020)08:20 uhr **

  • 129 ሰባት ተለኪፎም ኣለዉ።
  • 117 ድማ ሓውዮም።
  • 04 ሰባት ድማ መይቶም።
  • ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ቱሪንገን 2698 ሰባት በዚ ቫይረስ ተለኪፎም ኣለዉ።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


** መደብ ምክልካል ካብ ኮሮና ኣብ ወርሒ ግንቦት (13.05.2020) **

ካብ 13 ግንቦት

  • ትካልት ዳግም ክፉታት ኢዮም።ኣገልግሎት ድማ የቅርቡ።አቶም ብፍሉይ ዘይተዘርዘሩ ከም ስድራቤታት፡ናይ ቆልዑ ቀረባት ፡ኣዴታትን ናይ ስድራቤታት ማአከል ቦታታት፡ናይ መአንሰያት መዘናዒን ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ናይ ማይ መስመራት ጽሬት ዝተገብረ ውሳነ ምክባር።
  • ምብጻሕ፥ኣብ ሕክምና፡ኣብ ኣረጋውያን ዝአለይሉ ቦታ ብዝተወሰነ ተፈቂዱ ኣሎ።

ካብ 15 ግንቦት

  • መዕረፊ ኣጋይሽ ሆቴላትን ናይ ቱሪስት ቦታታት ኣገልግሎት ከቅርቡን ክክፈቱን።

ካብ 18 ግንቦት

  • መዋአለ ህጻናት ክጅምራ፡ክሳብ 15 ሰነ ድማ ጥንቃቀ ክገብራን ግቡአ ማሕበራዊ ርሕቀት ክጥቀማን ፡ብዛዕባ ዝርዝራዊ ኣገባባት ድማ ምስ ከተማታትን ምሕደራ

ኣብ 01 ሰነ

  • ኣብያተ ስፖርት (ጅም)፡መሐንበሲ ቦታታት ፡ኣብ ደገ ምዝንጋዕ ገርለን፡ኣብ ባሕሪ ምሕንባስ፡ዝተዓጽወ ክፍልታት፡ናይ ስፖርት ኣገልግሎት ዳግም ፍቀዳት ኢዮም።

ብውሑዱ ክሳብ 05 ሰነ ዕጽዋት ድማ።

  • ከም ሳውና፡ኣብያተ ሳዕስዒት፡ሃገራውያን ጋንታታት ከም ዘለዎም ክጸንሑ ኢዮም።

https://www.tmasgff.de/medienservice/artikel/neue-thueringer-coronavirus-eindaemmungsverordnung-gibt-bedingungen-und-fahrplan-fuer-weitere-lockerungen-vor

https://www.mdr.de/thueringen/ticker-corona-virus-covid-dienstag-zwoelfter-mai-100.html


**ውሳነ መንግስቲ ክፍሊ ሃገር ቱሪንገን(08.05.2020)**

ካብ 13 ግንቦት

ምፍኻስ ተኣጊዱ ዝነበረ ርክባት፡ስድራቤታት ማለት ክልተ ገዛታት ክራከባ ይክአላ።

ዳግም ዝክፈቱ ትካላት ብስምምዕ ወይ ፍቃድ ኣማሕደርቲ ወረዳ ወይ ከተማታት ይከውን።

ምብጻሕ ኣዝማድ ፡ሕሙማት፡ጎረቤትካ ኣብ ሕክምና ምብጻሕ፡ኣረጎውቲን ስንክላትን ዝቅመጥሉ ቦታ ምብጻሕ።

ካብ 15 ግንቦት

ምክፋት ሆቴላትን ናይ ትሪዝም ቦታን

https://www.tmasgff.de/Covid-19/einschreankungen


** ብዛዕባ ኮረናንን ስርሕ ዓለምን ምአካብ ሓብሬታ DGB ትካል ትምህርቲ Thuringen e.v (08.05.2020) **
ካብዚ ግዜ አዚ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቦታ DGB መርበብ ትምህርቲ Thuringen e.vብዝተፈላለየ ቃንቃ ሓበረታ ክአክብ ኢዩ።

https://corona.dgb-bwt.de/


 
** ቀጥታዊ ብኮሮና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis (06.05.2020;10:00) **
 
  • 124 ብኮረና ዝተለክፉ። 
  • 106 ዳግማይ ጥዑያት ኮይኖም። 
  • 04 ሰባት ድማ ሂወቶም ስኢኖም። 
  • ብጠቅላላ ኣብ ቱሪንገን 2442 ሰባት በዚ ሕማም ተለኪፎም።

** ምፍኻስ ኣብ ምክልካል ኣንጻር ኮረናን ኣገደስቲ ምቅይያራትን (04-05-2020) **

*አንታይ አንታይ ኢዮም ኣብ ቱሪንገን ዳግማይ ክክፈቱ ዝፍቀድ? *

  • ካብ 04 ግንቦት 2020 ዝክፈቱ ድኻናት ወይ ኣብያተ መሸጢ ስፍሓቶም ካብ 800 ሜተር ንላዕሊ ምስ ዝከውን።ንኣብነት ከም ናይ ኣቅሑ ገዛ መሸጢ፡መጻወቲ ቦታታት፡ አንዳ ስነ ጽባቀ፡አንዳ ማሳጅ ክኮኑ ከለዉ ማስክ ግን ክንጥቀም ኣለና።
  • ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ፡ቤት ትምህርቲ ስነ ጥበብ መንአሰያትን፡ውሑዳት ሰባት ኮንካ ዝወሃቡ ትምህርታትን
  • ከምኡ ውን አንዳ ስነ ጽባቀ ጸጉሪ(አንዳ ቀምቃማይ) ዓማዊል ግን ግድን ማስክ ክጥቀሙ ኣለዎም።
  • ውልቃዊ ስፖት ከም ቴንስ፡ጎልፍ፡ሉፍትባሎን፡ ካልአ ዝተፈላለዩ ጸወታታት።
  • ትምህርቶም ኣብዚ ዓመት ዝዛዝሙ ።
  • ኣብ ቱሪንገን ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርታትን ኣብ ክረምታዊ ሰሚስተር ድጅታል መደብ ክጅመር ኢዩ።

አንታይ ኢዮም ክልኩላት ወይ ዘይክፈቱ?

ክሳብ 25 ግንቦት

  • ካብ ክልተ ሰብ ንላዕሊ ዘይ ምርካብ ፡ብጀካ ኣብ ሓደ ገዛ ትቕመጡ። ከም ዘለዎ ርሕቀትና 1.5 ሜተር።

* ከም ዘለዎም ዝቅጽሉ ድማ*

  • ምርኢት ኣብ መድረክ ብሓባር መደባት ምግባር ከም ስፖርት ፊትነስ ስትድዮ፡መሐንበሲ ቦታ።
  • ብምቅጻል ኣብ ምሉኡ ቱሪንገን ማስኬራ ምግባር ግድን ይከውን።አዚ ማለት ኣብ ሱፐር ማርከት፡ኣብ መጛዓዝያ ኮታ ኣብኩሉ ምስ ሰባት ዘራክቡ ወሃብቲ ኣገልግሎን።ኣፍንጫናን ኣፍናን ክንከድኖ ኣለና።

* ክሳብ 31 ነሓሰ*

  • ዓበይቲ ርክባት ናይ መጻወቲ ትካላት ከም ትያትር፡ኦርኬስትራ።

https://www.mdr.de/thueringen/corona-thueringen-lockerungen-zeitplan100.html


ህሉው ቁጽሪ ብኮረና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis (24-04-2020,13:45)

* 120 ሰባት በዚ ሕማም ተለኪፎም።
* 94 ሰባት ድማ ሓውዮም።
* 04 ድማ መይቶም።
*ብጠቅላላ ኣብ ቱሪንገን 2048 ሰባት በዚ ቫይረስ ተለኪፎም ኣለዉ።


** ካብ ሎሚ 23-04-2020 ምአካብን ኣብ ኣብያተ ጸሎት ምካድን ወግዓዊ ኮይኑ ኣሎ። **

ካብ ሎሚ ሓሙስ (23-04-2020) ኣብ ቱሪንገን ኣኬባን፡ሰለማዊ ሰልፊ፡ኣብያተ ጸሎት ማለት ቤት ክርስትያን ይኩን መስጊድ ፡ኣብ ዕጹው ክፍሊ ክሳብ 30 ተሳተፍቲ፡ኣብ ደገ ድማ ክሳብ 50 ተሳተፍቲ ፍቁድ ኮይኑ ኣሎ።

ብዛዕባ ዕለተ ልደትን ካልኦት ጽንብላትን ግን ከም ቀደሙ ክቅጽል ኢዩ።


** ብውልቀ ሰባት ዝተስርሐ ማስክ ኣፍን ኣፍንጫን ኣብ ilmenau ዝሽየጥ ኣሎ።ማለት ካብ ዕለት 23-04-2020 **

ገለ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ይሰፍያ ኣለዋ።ንመሸጣ ድማ ከቅርባ ኢየን።ዋጋ ሓደ ማስክ 5 Euro ኮይኑ ፡1 Euro ድማ ሓገዝ ንተመሃሮ ኣብ ilmenau ዘለዉ ቆልዑ ኣብ ነጻ ግዜ መዘናግዒ ዝከውን።

ማስክ ክትገዝኡ አንተደሊኩም ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ

Homepage des fluchtlingsnetzwerk: https://refugees.iswi.org/2020/04/21/selbstgeneahte-mund und nassenmasken-stehen-zum-verkaufen/


** 22-04-2020 ኣብ ilmenau,ilm-kreis und Thuringen ግዴታ ማስክ ምጥቃም **

ኣብ ilm-kreis und Thuringen ዝኮነስ ሰብ ማስክ ክገብር ይግደድ ብፍላይ ኣብ ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት።

ካብ ዕለት 24-04-2020 ጀሚሩ ድማ ማስክ ምግባር ግዴታ ኢዩ፡ኣፍን ኣፍንጫን ድማ ክሽፈን ኣለዎ።ኣብ ማሕበራዊ መጋዓዝያ ከም ኣውተቡስ፡ባቡር፡ናይ ከተማ ባቡር፡ኣብ ሱፐር ማርከት፡ድኻናት ፡ካብ ናይ መሸጢ ዉዕይ መግብታትን ፡መሸጢ ዝስተዩ ነገራትን፡ንብረት ጠሊብና ክንቅበል ከለናን ማስክ ክንገብር ኣለና።

*ኣብ 27-04-2020 ግዴታ ማስክ ከከም ኩነታቱ ክቅጽል ኢዩ።ኣብ ዓበይቲ ዕጽዋት ክፍሊታት ወይ ድማ ኣብ ደገ ወጺካ ትናፈሰሉ ብውሕዱ ካብ 1.50 ሜትሮ ምስ ዘይንፈናተት ማስክ ምግባር ግዴታ ይከውን።

ኣጠቃቅማ ማስካ ንኣፍን ኣፍንጫን ምሽፋን ጥራይ፡ብዘይ ዝኮነ መከላከሊ መድሃኒት፡ባዕልና ክንሰርሖ ድማ ይከኣል ወይ ድማ መንዲል ወይ ሻርባ ጌርካ ምሽፋን ብግቡአ ድማ ክንኣስሮ ይግባአ።

አዚ ኢድ ዝተስርሐ ማስክ ወይ መንዲል ኮነ ሻርባ ብግቡአ ክሕጸብ ኣለዎ፡ብዝያዳ ድማ ብዉዕይ ማይን ሳምናን መታን ካልኣይ ግዜ ክንጥቀመሉ።

ቅድሚ ማስ ምግባርናን ፡ማስክ ከነውጾ ከለናን ከምቲ ግቡአ ኢድና ብሳምናን ማይን ብደንቢ ክንሕጸብ ኣለና።

ከመይ ጌርና ኢና ማስክ ንገብር ?

ንኣፍናን ኣፍንጫናን ብምሽፋን ንፋስ ወይ ኣየር ከም ዝኣትወና ጌርና ንሽፍኖ።

ማስክ ክንቅይሮ ወይ ድማ ከነንቅጾ ይግባአ ምስ ዝጥልቅይ።

ለወባ
ኢድና ብግቡአ ክንሕጸብን ርሕቀትና ድማ ክንሕሉ ኣለና።ገጽና ድማ ብኢድና ክንሕዞ የብልናንን።ክንስዕል ወይ ህንጥሸው ክንብል ድማ ኣብ ወሽጣዊ ኩርናዕ ኢድና ንግበር።

Zur Allgemeinverfügung des Ilm-Kreises: https://www.ilm-kreis.de/media/custom/2778_1034_1.PDF?1587470451

https://www.ilm-kreis.de/Quicknavigation/Startseite/Aktuelle-Fallzahlen-21-4-2020-Maskenpflicht-in-Bus-L%C3%A4den-und-Dienstr%C3%A4umen.php?object=tx,2778.5&ModID=7&FID=2778.2135.1

https://www.mdr.de/thueringen/corona-virus-maske-mundschutz-pflicht-thueringen-100.html


መስመር መንገዲ ባቡር ደቡብ ቱሪንገን Erfurt-ilmenau(17.04.2020)

ከም ዘለዎ 20.04 ክሳብ 30.04.2020 ዝተቀየረ የለን ካብ ናይ ቅድም።
https://www.sued-thueringen-bahn.de/uploads/media/Fahrplaninformation_STx45_STB46_02_gueltig_20.04.-30.04.2020.pdf


ቀጥታዊ ቁጽሪ ብኮረና ዝተለክፉ ኣብ ilm-kreis(17.04.2020)9:15 104 ሰባት በዚ ቫይረስ ተለኪፎም።

64 ድማ ናብ ንቡር ጥዕንኦም ተመሊሶም
02 ሰባት ድማ መይቶም።
ብጠቅላል ኣብ ቱሪንገን በዚ ሕማም ዝተታሕዙ 1683።
https://www.mdr.de/thueringen/corona-statistik-zahlen-grafiken-aktuell-100.html


#መቅጻዕቲ ሕማም ኮረና ንምክልካል ካብ ዕለት 06 ሚያዝያ 2020#

*ኣብዚ ዝስዕብ ድማ ንተላባዒ ሕማም ኮረና ሕግታት ኣለዉ “Beschluss der Bundesregierung von 22-03-2020 *

* ዝኮነ ሰብ ድማ ነቲ ሕጊ ክክተሎ ኣለዎ።ነቲ ሕጊ አንተ ጥሒስኩሞ መቅጻዕቲ ኣለኩም።
ክልተ መቅጻዕቲ ድማ ኣሎ፡ናይ ገዘብ መቅጻዕትን ማአሰርትን።
ኣብቲ ናይ ገንዘብ መቅጻዕቲ ድማ ከከም ኩነታቱ ደረጃታት ኣለዎ።

* ኣብ Thuringen አዞም ዝስዕቡ ሕግታትን መቅጻዕትን ኣለው።

ንኣብነት
ምስ ካልኦት ሰባት ዘለካ ምፍንታት ትሕቲ 1.5 ሜትሮ ምስ ዝከውን 100 Euro ትቅጻዕ።

*ዉራይ ማለት መርዓ ፡ጥምቀት ፡ዕለተ ልደት ምግባር 1000 Euro የቅጽዕ።

*ብውልቅካ ናብ ዝኮነ ውራይ ምካድ 200Euro የቅጽዕ
*ምክፋት ዝተዓጽዋ ትካላት፡ከም ሆቴል፡አንዳ መሻጢት፡ መዕረፊ ኣጋይሽ፡ክለባት ብዘይ ፍቃድ ምስ ዝክፈታ ክሳብ 5000 Euro የቅጽዕ።
*መግቢ ናብ ገዛካ ምጥላብ ይከኣል፡ኣብ አንዳ ዶነር ምስ ትከይድ ምፍንታት 10 ሜትሮ አዚ ምስ ዘይትገብር 150 Euro የቅጽዕ።
*ሓደገኛታት ከተማታትን ሃገራትን ከም በዓል ፈረንሳ፡ኢራን፡ጥልያን፡ሆላንድ፡ኦስትርያ፡ስዊዝ፡ስጳኛ፡ደቡብኮርያ፡ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ዓባይ ብሪጣንያ፡ አንተ መጺካ ምስ ካልኦት ሰባት ክትሕወስ ኣይ ፍቀደካን።መቅጻዕቲ ናይ ቤት ማአሰርቲ።

* ኣኬባ ምአካብ ኣይፍቀድን።አዚ መለት ካብ 07 ሰባት ክሓልፉ የብሎምን።ንኣብነት ሰለማዊ ሰልፊ ልዕሊ 07 ሰባት ኣይፍቀድን።መቅጻዕቲ አሱር ቤት።

*ደረጃታት መቅጻዕቲ ናይ ኮረና ቫይረስ ድማ ኣብ ታሕቲ Link ኣለኩም።

https://www.tmasgff.de/fileadmin/user_upload/Gesundheit/Dateien/COVID-19/Bussgeldkatalog.pdf


# ቤት ምክሪ ስደተኛታት ቱሪንገን#

ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብ online ብዝተፈላለዩ ቃንቃታት ንተመሃሮን ፡ወለድን ፡መምህራንን ሓገዝ ይህብ።

*ክሳብ መወዳአታ ክፍሉ ትምህርቲ ናይ’ዚ ዓመት ድማ ብነጻ ይህብ።

*መአተዊ ብቓንቃ ጀርመንን ኢንግሊዝኛን ኢዩ።

*ትሕዝቶ ቓንቃታት ድማ ጀርመነኛ፡ኢንግሊዝኛ፡ዓረብ፡ዳሪ፡ቃንቃ ሽወደን፡ትግርኛን ሶማልን።
ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ

ኣቲኩም ክትረክቡ ትክአሉ።


** ሓበሬታ መደብ ጉዕዞ ባቡር ካብ ilmenau ክሳብ Erfurt ካብ 01 ሚያዝያ ክሳብ 19 ሚያዝያ 2020 **
 
# ኣብ መስመር Ilmenau und Erfurt ባቡራት ኣለዋ  ግን ብዉሑድ ኢየን ክጎዓዛ።#
 
# ክትጎዓዙ ምስ ተደልዩ ኣብ ታሕቲ ዘሎ Link ብምርኣይ፡መደብ ጉዕዞ ካብ ዕለት 01-19-ሚያዝያ 2020 ኢዩ።
 
# ኣብ መደብ ጉዕዞ ብቀይሕ ተመልኪትሉ ዘሎ ጉዕዞ የለን ማለት ኢዩ።#
 

* ቀጥታዊ (ህሉዉ) ብኮሮና ቫይረስ ዝተለክፉ ብዝሒ ኣብ Ilm-Kreis ዕለት 31-መጋቢት 2020 ሰዓት 9፥30 *
 
ኣብ Ilm-Kreis 58 ሰባት ብኮረና ቫይረስ ተለኪፎም፡03 ድማ ሓውዮም።01 ሰብ ድማ መይቱ።
 
ኣብ ዞባ Thuringen  ድማ በዚ ቫይረስ 798 ሰባት ሓሚሞም ኣለዉ።

# ውሳነ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ጀርመን ካብ ዕለት 22 መጋቢት 2020#

አቲ ውሳነ ድማ ክሳብ 05 ሚያዝያ 2020 ኮይኑ።

# አቲ ውሳነ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።#

  • ውሑድ ማሕበራዊ ርክባት።
  • ሰባት ምስ ብዙሓት ሰባት ከይራከቡ።
  • ዝኮነ ሰብ ካብ 1,5 ሜትሮ ንላዕሊ ምስ ሰባት ክፍንተት ኣለዎ።
  • ኣብ ህዝባዊ መጋዓዝያ ይኩን ካልአን ሰብ ናብ ዘድልዮ ብምካድ፡ጉጅለ

ክፈጥር ኣይግባአን።

  • ዝኮነ ሰብ ስራሕ ክከይድ ይክአል።
  • ዝኮነ ሰብ መግቢ ይኩን ነገራን ክሽምት ይክአል ኢዩ።
  • ዝኮነ ሰብ ናብ ሓኪሙ ወይ ሕክምና ክከይድ ይከአል ኢዩ።
  • ወግዕዊ ኣኬባ ምስ ዝህሉ ክክየድ ይከኣል ኢዩ።
  • ሰባት ኣገዳሲ ቆጸራ ኮነ ፈተና ምስ ዝህልዎም ክከዱ ይከኣል ኢዩ።
  • ንካልኦት ሰባት ምሕጋዝ ድማ ይፍቀድ ኢዩ።
  • ሰባት ስፖርት በይኖም ኮይኖም ክሰርሑ ይከኣል።ከምኡ ውን ምዝዋር፡

ብብሽግለታ ምዝዋር ዝኣመሰሉን።

  • ሰባት ብአኩብ ፌስታ ምግባር ኣይፍቀድ ኢዩ።
  • ቤት መግቢ ኮነ መዕረፊ ኣጋይሽ ዕጹዋት ኢዮም።መግቢ ተደሊካ ገዚአካ ንገዛ ምውሳዲ ወይ ድማ ናብ ገዛ ምጥላብ ኢዩ።
  • አዳ መሻጢት፡ኣንዳ ቀምቃማይ፡አንዳ ስነ ጽባቀን አንዳ መወቀጥን ዕጽዋት ኢዮም።

https://www.bundesregierung.de/breg-de/themen/coronavirus/besprechung-der-bundeskanzlerin-mit-den-regierungschefinnen-und-regierungschefs-der-laender-1733248


#ኢድና ብተደጋጋሚ ብሳምና ክንሕጸብ ኣለና።#
ኣብ Neustadt(ilm-kreis) ትበሃል ዓዲ ፡አታ ዓዲ ኣብ ትሕቲ ውሸባ ኣትያ ኣላ።ማለት ካብ ዕለት 22-መጋቢት ክሳብ ዕለት 05 ማዝያ 2020።

  • ውሸባ ማለት ኣብ ዘለካ ማለት ናብ ካልአ ምንቅስቃስ ኣይፍቀድን።
    *ኩሉ ማሕበራዊ ነገራት ድማ ከም መግብን፡መድሃኒትን ተዳሊሎም ኣሎ።
  • ኣብ ilm-kreis 11 ሰባት በዚ ቫይረስ ተለኪፎም ኣለዉ።አቶም 06 ድማ ካብ Neustadt ኢዮም።

ኣነን ንስኩም ኮይንና ሂወትናን ሂወት ሕብረተ ሰብናንን ነድሕን።

https://www.ilm-kreis.de/Quicknavigation/Startseite/Neustadt-wird-f%C3%BCr-zwei-Wochen-unter-Quarant%C3%A4ne-gesetzt.php?object=tx,2778.5&ModID=7&FID=2778.1949.1


  • ** 10 ሰባት በዚ ሕማም  ተለኪፎም ኣለዉ።  **
  •  
  • አቶም 04 ሓደስቲ ክኮኑ ከለዉ፡ 
  • ብጠቅላላ 10 ማለይ ኢዩ።ንሳቶም ኣብ ገዝኦም ተወሺቦም ኣለዉ።
  • [1, 21.03.2020, 18 Uhr] https://www.ilm-kreis.de/Quicknavigation/Startseite/Stand-Samstag-21-M%C3%A4rz-2020-18-Uhr-10-best%C3%A4tigte-Coronavirus-F%C3%A4lle-im-Ilm-Kreis.php?object=tx,2778.5&ModID=7&FID=2778.1947.1
  • [2, 21.03.2020, 10 Uhr] https://www.landesregierung-thueringen.de/corona-bulletin

  • #ሓበሬታ ሓዱሽ ፕላን መስመር መጋዓዝያ ደቡብ ቱሪንገን#

    • ካብ ዓርቢ ዕለት 20-03 ክሳብ ሰንበት 19-04-2020 ማለት ካብ Erfurt-Ilmenau-Rennsteig ካብቲ ንቡር ስርሑ ክጎድል ምካኑ፡ብፍላይ ድማ ዓርቢ ናይ ለይቲ፡ቀዳም ፡ ሰንበትን ድማ የለን።
    • ሓፈሻዊ ሰብ ዝራከበሎም ቦታታት ክሳብ ሚያዝያ 19 አዞም ዝስዕቡ ቦታታት ክልኩላት ምካኖም ንመክር።
    • ኣብ መጻወቲ ቦታታት ዘይ ምካድን ብብዝሒ ዘይ ምርካብን።
    • አንዳ ቀምቃማይ ወይ አንዳ መሻጢ
    • አንዳ ስነ ጽባቀን አንዳ መወቀጥን
    • አንዳ መሳጅ፡ኣብያተ ስፖርታዊ ንጥዕናን
    • ናይ ቱሪዝም ቦታትትን ወሃብቲ ምክርን

    #ክሳብ ሕጂ ፍቁዳት ቦታታት ድማ

    • ጥምቀት ይኩን ካልአ ጽምብላት ውሑዳት ሰባት ምካን።
    • መርዓ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከድካ ማለት ኣብ መጃጋዛቤት ክልተ መጻምድን፡መስካክርን ቆልዑ አንተልዮሞም ድማ ክማለዎም ይፍቀድ፡ማለት ናይ መርዓውቲ።
    • ቆጸራ ምልጋስ ደም
    • ብጀካ ካብ ሱፕር ማርኬት ኣብ ቤት መግቢ ከድካ፡ብብዝሒ ምአካብ ብጉጅለ ምንቅስቃስን፡ኣብ ሪጋ ንገብረሉ ቦታታት ድማ አንተውሓድ ሜትሮን ፈረቃን ርሕቀት ክህልወካ ኣለዎ።

    ነብሰ ጾራት ዝኮነ ግጭት ምስ ዘጋጥመክን ኣብ ምክሪ ትረክባሉ ክትከዳ ይግበኣክን።


de_DEGerman